Information for Refugees and Asylees About the Form I-9 (Tigrinya)

us-doj-guidance-CRT-1316151Information for Refugees and Asylees About the Form I-9 (Tigrinya)Guidance

Abrir fonte
ሓበሬታ 	ንስደተኛታትን 	ዑቑባውያንን
ብዛዕባForm I-9
ኣብ ኣመሪካ ከም ሰራሕተኛ ስራሕ ዝጅምር ኩሉ ሰብ፡ ነቲ ኣስራሕቲ መንነትካን ፍቓድ ስራሕካን
ንምርግጋጽ ዝጥቀሙሉ መንግስታዊ Form I-9 ይመልእ።
እዚ ወረቐት ሓበሬታ እዚ ንዓኻትኩም ዑቕባውያንን ከምኡ'ውን ስደተኛታትን Form I-9
ንምምላእን መሰላትኩም ንምፍላጥን ዝዓለመ እዩ። ኣብ መስርሕ Form I-9 ብመሰረት ዜግነትካ፡
ኩነታት ኢሚግሬሽንካ ወይ ሃገራዊ መበቆልካ ኣድልዎ ዝገብሩኻ ኣስራሕቲ ንገለ ክፋል ሕጊ
ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (Immigration and Nationality Act,
INA) ክጥሕሱ ይኽእሉ። እዚ ጸረ ኣድልዎ ዝኾነ ሕጊ ኣብ 8 U.S.C § 1324b ይርከብ።
ምዝዛም Form I-9
ንSection 1 ናይቲ Form I-9፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሓበሬታ ሃብ።
• 	ስምካን ካልእ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዝምልከት ሓበሬታን ኣብ Section 1 ናይቲ Form I-9 ኣቐምጥ።
o 	ነዚ ክፍሊ ንምምላእ ሓደ ሰብ ክሕግዘካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
• 	ንኽትሰርሕ ፍቓድ ዝህበካ ኩነታት ዘርኢ ሳጹን ምልክት ክትገብር ኣለካ።
ክፍሊ መሰላት ስደተኛታትን ሰራሕተኛታትን።
justice.gov/ier
ወረቐት ሓበሬታ ናይ ሰራሕተኛ
ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ
ክፍሊ ሲቪላዊ መሰላት
Complete printed PDF page 1
o 	ስደተኛታትን ዑቕባውያንን ኣብ ራብዓይ ሳጹን “A noncitizen authorized to work” (ክሰርሕ
ፍቓድ ዘለዎ ዘይዜጋ) ዝብል ምልክት ክገብሩ ይግባእ። ኣብ ጎኒ እዚ ሳጹን እዚ ናይ ምውዳእ መዓልቲ
እንተሃልዩ ንምምላእ ቦታ ኣሎ።
o 	ናይ ስራሕ ፍቓድካ ስለዘይውዳእ፡ ኣብቲ ናይ ምውዳእ መዓልቲ ቦታ “N/A” (እዚ ማለት
“ኣይምልከትን”) ጽሓፍ።
ንSection 2 ናይቲ Form I-9፡ መንነትካን ፍቓድ ስራሕካን ዝገልጹ ሰነዳት ኣስራሒኻ ኣርኢ።
• 	Form I-9 ን Section 2 ናይ Form I-9 ከተርእዮም እትኽእል ሰለስተ ዝርዝር ሰነዳት ኣለዎ፤
o 	List A (መንነትካን ናይ ስራሕ ፍቓድካን ዘርእዩ ሰነዳት)፡
o 	List B (መንነትካ ዘርእዩ ሰነዳት)፡
o 	List C (ናይ ስራሕ ፍቓድካ ዘርእዩ ሰነዳት)።
• 	ንኣስራሒኻ ምርጫኻ ወይ ሓዲኡ፤
o 	List A ሰነድ ወይ
o 	ውህደት ሓደ ሰነድ List Bን ሓደ ሰነድ List Cን ከተርእዮ ኣለካ።
• 	ኣብ ታሕቲ receipts (ቅብሊታት) ዝርዝር ሰነዳት ተዘርዚሮም ኣለዉ። Receipts ንForm I-9 እውን
ንዝተፈላለየ ንውሓት ግዜ ቅቡል እዩ።
ካብቲ ከተርእዮ እትደሊ ቅቡል ሰነዳት ክትመርጽ መሰል ኣሎካ Form I-9 Lists of Acceptable
Documents (ቕቡል ሰነዳት ናይ Form I-9)።
ኣስራሒኻ ብመሰረት ኩነታትካ ከም ዑቕባ ወይ ስደተኛ፡ ወይ’ውን ኣብ ሃገራዊ መበቆልካ ዝተመርኮሰ ፍሉይ
ሰነዳት ከተርኢ ክጠልበካ ኣይክእልን’ዩ። ፍሉይ ሰነዳት ዝሓትት ኣስራሒ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣድልዎ ክገብር
ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ዋላ እኳ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሰነድ (Employment Authorization Document, EAD)
ክህልወካ ይኽእል እንተኾነ፡ ኣብ ክንድኡ ካልእ ሰነዳት ከተርኢ ክትውስን ትኽእል ኢኻ፡ ከም ናይ ግዝኣት መለለዪ
መንነት (ናይ List B ሰነድ) ከምኡ’ውን ዘይተገደበ ማሕበራዊ ድሕነት ካርድ (ናይ List C ሰነድ)።
Complete printed PDF page 2
ሓያሎ ዓይነት ቅቡላት ናይ Form I-9 ሰነዳት ክህልዉኻ ይኽእሉ እዮም።
• 	ንForm I-9 ናይ I-94 ከተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ወረቐት I-94 ካብ ክፍሊ ድሕንነት ውሽጢ ዓዲ
(Department of Homeland Security) ክትረክብ ኢኻ፣ ወይ ድማ I-94 ካብቲ Customs and
Border Protection (ጉምሩክን ሓለዋ ዶባትን)ሓበሬታ ክትሕትሞ ትኽእል ኢኻ።
• 	ስደተኛ እንተኾንካ፡I-94 ናትካ receipt ናይ List A ሰነድ ኮይኑ፡ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ስራሕካ ን 90
መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ድሕሪ 90 መዓልታት ንኣስራሒኻ ወይ EAD ወይ ውህደት ናይ List Bሰነድን
ዘይተገደበ ማሕበራዊ ድሕነት ካርድንዘይተገደበ ማሕበራዊ ድሕነት ካርድከተርእዮ ኣለካ።
• 	ዑቕባተኛ እንተኾንካ፡ I-94 ከም ቀዋሚናይ List C ሰነድግዜኡ ዘይውዳእ እዩ።
• 	ዑቕባውያንን ስደተኛታትን ንEADs ብቑዓት እዮም። EADካ ንምሕዳስ ከተመልክት እንተ ወሲንካን
መመልከቲኻ በቲ ኣብ EADካ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ምውዳእ መዓልቲ እንተተቐሪቡን፡ ምስቲ ዘሎካ EAD
ክትሰርሕ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ እቲ ኣብ EAD ዘሎንዝተወሰነ ግዜናይ ምውዳእ መዓልቲ
ንዝተወሰነ ግዜ፡ ንኣስራሒኻ EAD ናትካ ምስቲ ናይ I-797C ናይ receipt ምልክታ (መንግስቲ ናይ ሓዱሽ
EAD መመልከቲኻ ከም ዝተቐበለ ዘርኢ) ብምርኣይ ስራሕካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ EAD
ኣውቶማቲክ ኤክስቴንሽን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ክፍሊ ሲቪላዊ መሰላት ክፍሊ መሰላት
ስደተኛታትን ሰራሕተኛታትን (Immigrant and Employee Rights Section) ደውሉ።
• 	ንዝጠፍአ, ዝተሰርቀ ወይ ዝተበላሸወ ሰነዳት receipts እውን ከተርኢ ትኽእል ኢኻ።
Form I-9 ምስ ዛዘምካ፡ ኣስራሒኻ ኣብ ውሱን ኩነታት ጥራይ እዩ እንደገና ሰነዳት ክሓተካ
ዝፍቀደካ።
• 	ሓደ ኣስራሒ መዓስ ዳግማይ ሰነዳት ክሓትት ከም ዘለዎ ዝሕብር ሕግታት ኣብቲ Handbook for
Employers M-274 (ደብተር ንኣስራሕቲ M-274)።
• 	ናይ Form l-9 EAD እንተ ኣርኢኻዮ፡ ኣስራሒኻ EAD ናትካ ኣብ ዝውድኣሉ እዋን ካልእ ሰነድ ክርኢ
ክሓትት እዩ፡ ንስራሕ ፍቓድካ ዳግማይ ንምርግጋጽ ኣብዚ ስጉምቲ እዚ፡ ወይ List A ወይ ሰነድList C ከም
ዘይተገደበ ካርድ ማሕበራዊ ድሕነት ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። ሓድሽ EAD ከተርኢ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፡
ግን ግድን ኣይኮነን።
Complete printed PDF page 3
• 	ንSection 2 ከም መርትዖ ናይ ስራሕ ፍቓድካ ዘይተገደበ ካርድ ማሕበራዊ ድሕነት ኣርኢኻን ኣብ Section
1 ንዝውዳእ መዓልቲ “N/A” እንተ ኣእቲኻን፡ ኣስራሒኻ ተወሳኺ ሰነዳት ክሓተካ ኣይፍቀደሉን እዩ።
• 	ኣብ ዘይተደለየሉ እዋን፡ ብመሰረት ናይ ዑቕባ ወይ ስደተኛ ኩነታትካ ወይ ብሃገራዊ መበቆልካ መሰረት
ሰነዳት ዝሓቱ ኣስራሕቲ ነቲ ሕጊ ዝጥሕሱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣስራሒኻ መዓስ ተወሳኺ ሰነዳት ክሓተካ
ከም ዝፍቀደካ ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ክፍሊ መሰላት ስደተኛታትን ሰራሕተኛታትን ደውል።
ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ እናተጸበኻ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።
• 	ስራሕ እንተረኺብካ ግን ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ እንተዘይብልካ፡ምምሕዳር ማሕበራዊ ድሕንነት፡ገና
ምምሕዳር ማሕበራዊ ድሕነት ንኣስራሕቲ ሰራሕተኛታት ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ እናተጸበዩ ክሰርሑ
ከም ዝፍቀደሎም መምርሒ ይህብ።
• 	ዋላ’ውን ገና ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ ትጽበ እንተኾንካ፡ ኣስራሒኻ ንዝኾነ ዝተዛዘመ ስራሕ ኩሉ ግዜ
ክኸፍለካ ኣለዎ።
• 	ስራሕካ ኣብ እትጅምረሉ እዋን ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ እንተዘይብልካ፡ ኣብ Form I-9 Section 1
ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነት ዝብል ሳጹን ባዶ ግደፎ።
• 	ኣስራሒኻ E-Verify እንተተጠቒሙ፡ E-Verify ንኣስራሕቲ ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ ክሳብ ምድንጓይ
ምፍጣር ናይቲ E-Verify ጉዳይ እትረክብ ምፍጣር ከደናጉዩ መምርሒ ይህብ። ኣብዚ ግዜ እዚ from I-
9 እንተመሊእካ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ናይ E-Verify ሕግታትብፍሉይ ነዚ ፍሉይነት ዝፈቕዱ ኮይኖም
ንኣስራሕቲ ነቲ ጉዳይ ንምፍጣር መምርሒታት ይህቡ። ተወሳኺ ሓበሬታ e-verify.gov ክትረኽብዎ
ትኽእሉ ኢኹም።
ነሓሰ 2023 ዝተመሓየሸ
(ኣብ ዝስዕብ ገጽ ይቕጽል)
Complete printed PDF page 4
ተወከሱና
• 	ናይ ምስማዕ ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ዚያዳ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ናይ Immigrant and
ሰራሕተኛታት መስመር ብ 1-800-255-7688 ወይ ብ 1-800-237-2515 ደውሉ።
o 	ካባና ዝርከብ ገለ ይኹን ደገፍ ወጻኢ የብሉን። ምድዋል ምሽጥራዊ ክኸውን ዝኽእል
ኮይኑ፣ ናይ ናጻ አገልግሎት ቋንቋ’ውን ይርከብ።
• 	ዚያዳ ንምፍላጥ ናትና መርበብ ሓበሬታ ኪዱ
• 	ኣድልዎ ንምሕባር ናብ justice.gov/crt/filing-charge ኪዱ
Complete printed PDF page 5

Continue sua pesquisa no ChatGPT ou Claude

Conecte o Omnilex para pesquisar o corpus jurídico pelo seu assistente de IA.